ናይ ሕማምን ሓደጋን ድሕነት

ኣብ ስዊስ ዝነብር ሰብ: ናይ ሕማምን ናይ ሓደጋን ድሕነት ግድን የድልዮ። እዚ ናይ ውልቒ ድሕነት: ኣብ ግዜ ሕማምን ሓደጋን ንዘጋጥሙ ክፍሊት ሕክምናን ስራሕን ከምኡውን ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ወጻኢታት ይሽፍኑ። እዘን ክልተ ናይ ድሕነት ውዕላት ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ኣብ ስዊስ ምእታው ክፍጸማ ይግባእ።

ናይ ሕክምናዊ ክንክን ድሕነት ( መሰረታዊ ድሕነት)

ኵሎም ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ናይ ጥዕና መድሕን/ኢንሹራንስ (መሰረታዊ መድሕን) ባዕሎም ከውጽኡ ኣለዎም። ናብ ስዊዘርላንድ እንተ ግዒዝካ ከምኡ ንምግባር ሰለስተ ወርሒ ኣሎካ። ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ሓሚምካ እቲ እትኸፍሎ ወጻኢታት እውን ብተደጋጋሚ እዩ ዚኽፈል። ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት መድሕን ጥዕና መሰረታዊ መድሕን የቕርባ። ናይ ጥዕና መድሕን ምርጫ ብናጻ ኢዩ። ኩባንያታት መድሕን ጥዕና ንዅሎም እቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ሰባት ክቕበላኦም ኣለወን። እቶም ውሕስነት እተዋህቦም ሰባት ወርሓዊ ኽፍሊት ይኸፍሉ። እዚ ኽፍሊት እዚ ከከም ሞደል መድሕንን መድሕንን ስለ ዚፈላለ ነቲ ዚኽፈል ገንዘብ ከነወዳድሮ ኣሎና። መድሕን ጥዕና ኽሳዕ መወዳእታ ሕዳር ኣብታ እትቕጽል ዓመት ኪቕየር ይኽእል እዩ። መሰረታዊ መድሕን ንሕማም ዜምጽኦ ወጻኢታት ጥራይ ዘይኰነስ ንጥንስን ሕርስን እውን ይሽፍን እዩ። እቲ ኣገልግሎት ብሕጊ እዩ ዚመሓደር። ኣቓልቦ፦ ንሕክምና ስኒ ወይ መነጸር ዚኸውን ወጻኢታት መብዛሕትኡ ግዜ በይንኻ ኽትከፍል ወይ ከኣ ብወለንታ ተወሳኺ መድሕን ክትከፍል ኣሎካ።

ናይ ሓደጋ ድሕነት

ሰራሕተኛታት ኣብ መዓልቲ ካብ 8 ሰዓት ንላዕሊ ዝሰርሑ እንተኮይኖም: ብወሃብ ስራሕ ብቀጥታ ናይ ሓደጋ ድሕነት ኣብ ግዜ ስርሖምን ኣብ ዕረፍቶምን ንዘጋጥሞም ሓደጋ ውሕስነት ይኣትወሎም። ውሑድ ሰዕታት ዝሰርሕ ሰብ እዚ ናይ ሓደጋ ድሕነት ኣይክፈለሉን: ስለዚ ነዚ ዝምልከት ድሕነት: ባዕሉ ክሽፍኖ ኣለዎ። እዚ ነቶም ብገዛእ ርእሶም ዝመሓደሩን ናይ ውልቖም ዋኒነ ንብረትን ትካልን ዘሎዎም ሰባት ውን ይምልከት። እዚእቶም ኣብ ርእሲቲ ናይ ሕማም ድሕነቶም ናይ ሓደጋውን ክገብርሉ ይግባእ። ኣብዚ ድሕነት ውዕል ዝገበሩ: ወርሓዊ ክፍሊት ክኸፍሉ ይግባእ። ኣብዚ ንሰራሕተኛታት ብቀጥታ ካብ ደሞዞም ይኽፈል።

መሕሰሪ / ምጉዳል ዋጋ ካብ ክፍሊት መሰረታዊ ድሕነት

ንማዕከን ናይ ሕማም ድሕነት ብገዛእ ርእሱ ክኸፍል ዘይክእል ሰብ: መሕሰሪ/ምጉዳል ዋጋ ካብ ክፍሊት መሰረታዊ ድሕነት(Prämienverbilligung) ካብ መንግስቲ ይግበረሉ። ነዚ ምሕሳር ዋጋ ንምርካብ: ጠለብ ሕቶ ከተቕርብ ኣለካ። ጨንፈር ማሕበራዊ ድሕነት (Sozialversicherungsanstalt SVA) ብዛዕባዚ ምንካይ ዋጋ ይሕብር ከምኡውን እቲ ምዝገባ ይቕበል።

ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት

ብነጻ ድልየት: መመላእታ ንውሕስነት ጥዕና: ኣብ ልዕሊቲ መሰረታዊ ናይ ድሕነት ውዕል: ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት (Zusatzversicherungen) ክግበር ይከኣል።እዚ ንወጻኢታት ካብ ናይቲ መስረታዊ ውሕስነት ዝኾኑ ይሽፍን። ንእብነት: ናይ ስኒ ክንክን። ተወሳኺ ድሕነት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ናይ ሕማም ድሕነት ካብ ኩሎም ማዕከናት ናይ ሕማም ድሕነታት ናብ ዕዳጋ ይወርዱ። ነዚ ከኣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ከከም ኩነታት ጥዕንኡ: ክእቱ ወይ ከንጽጎ ይኽእል።