ቀረባት ምውህሃድ

ምውህሃድ ብቐዳምነት ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ስልጠና ከምኡውን ኣብ ስራሕ ኢዩ ዝግበር። እቶም ነዚ ኸባቢታት እዚ (ገና) ዘይረኽቡ ሰባት እተፈላለየ ናይ ምውህሃድ ቀረባት ኣለዎም።

ፍሉያት ቀረባት

ወጻእተኛታት ኣብ ስዊስ: ምስ ደቂ ስዊስን ሕብረተሰብ ስዊስን ንክነብሩን ርክብ ንክገብሩን ዝሕግዝዎም ማእለያ ዘይብሎም ፍሉያት ቀረባት ኣለዉ። ገለ ካብእቶም: ቀጻሊ ዝርርብ: ኣብ ትርፊ ግዜ ዝወሃቡ ቀረባት: ኣስተምህሮን ስልጠናን እዮም። እቲ Ausländerdienst Baselland (ald)) ወይ እቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ብዛዕባ እዞም ቀረባት ሓበሬታ ይዝርግሑ። ብዙሓት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢታት: ሓደስቲ ነበርቲ ንምቕባል ውራይ ይገብሩ: እዚ ከእ ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈላሚ ጦብላሕታ ንምግባር ይሕግዝ።

ማሕበራት

ብዙሓት ተቕመጥቲ/ነበርቲ ካንቶን Basel-Landschaft: ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት (Verein) እዮም።ንዝተፈላለዩ ድልየታት ዝዓለሙ ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ: ናይ ስፖርት: ናይ ባህሊን ካልእን ማሕበራት ኣለዋ።እዚእተን ሓደ ጭቡጥ ኣመት ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ የሰጉማ።መብዛሕተአን ማሕበራት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን።ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ኣድራሻ ናይዘን ማሕበራት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ውድባት ስደት

ከከም ቛንቛ: መበቖል ዓዲን ሃይማኖትን ስደተኛታት ባዕሎም ዝመርጹወን ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ማሕበራት ንስደተኛታት ብዛዕባ ምውህሃድን ናብራን ዝምልከት ምኽሪ ይህባ። ንኣባላተን ከኣ ኣብ ስዊስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ሓደስቲ ምስዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብራ።

ኣቕርቦት ንመንእሰያት

ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft: ንመንእሰያት ብዙሓት ፍሉያት ምስ ክውንነቶም ዝኸዱ ቀረባት: ነጻ ግዜኦም ዘሕልፍሉን: ነባሪ ሌላ ዝምስርትሉን ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፈሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራዊነቶምን ንከርእዩ: ፕሮጀክትታት ንክገብሩ ይተባብዑ(Jugendarbeit)። እዞም ቀረባት ከም ሕጊብነጻ ይወሃቡ። Mኣሕበር መንእሰያት: ብሓባር ብማዕረ ንጥፈታት ንምክያድ: ኣብ ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዝ። ነዞም ቀረባት ዝህቡን ሓላፍነት ዝስከሙን: ማሕበራት: ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢን ቤተክርስትያናት እዮም። እዞም ቀረባት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ምብርሂ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።