ባቡርን ኣውቶቡስን

ህዝባዊ መጉዓዝያ ኣብ ስዊስ ኣዝዩ ጽቡቕ ትሕተ-ቅርጺ ኣለዎ። ብቐሊሉ ኩሉ ቦታታት ብባቡር ወይ ባውቶቡስ ክትበጽሖ ይከኣል። ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ብስሯዕ ልክዕ ኣብ ግዜአን ኣብ ዝተመደበልን ናይ ግዜ ፍልልይ ይጞዓዛ።

ህዝባዊ መጉዓዝያ

ህዝባዊ መጉዓዝያr (ÖV) ኣብ ስዊስ ልዑል ዋጋ ኣለዎ።ኩሉ ቦታታት ኣብ ሰዓት ብዙሕ ግዜ ክትበጽሐን ይከኣል። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ተጛዕዝቲ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ይጥቀሙ። መጉዓዚ ዋጋ ብተዛማዲ ክቡር ኢዩ። ነዚ ንምቅላል ገንዘብ ንምቁጣብ ግን ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣቦኖሚ/ንዝተናውሐ ግዜ ዝኽፈል: ወይ ናይ ሕሱር ዋጋ ትኬት ምግዛእ ይከኣል። ብተዛማዲ ሕሱር ዝኾነ ፍርቂ ዋጋ ትኬት (Halbtaxabo) ንኣብነት ናብ ምሉእ ስዊስ ዘገልግል ፍርቒ ዋጋ ዝገብር ትኬት ንዓመት ዘገልግል ምግዛእ ይከኣል።

ምጉዓዚ ትኬትን ኣቦነሜንትን / ንነዊሕ ግዜ ዘገልግል ትኬት

ባቡር ጌሩ ክጎዓዝ ዝደሊ ሰብ ኣቐዲሙ ናይ መጉዓዚ ትኬት (Billett) ክገዝእ ይግባእ። ኣብ ባቡር ትኬት ምግዛእ ኣይከእልን ኢዩ። ኣብ ኣውቶቡስ ግን ዝተፈላለየ ሕጊ ኣሎ። ኣብ ኩሎም መደበር ባቡራትን ኣብ ናይ ኣውቶቡስ ጠጠው ዝብላሉ ቦታታትን ናይ ትኬት መቑረጺ ማሽናት/ኣውቶማት ኣለዋ። ኣብ ዕበርይቲ መደበር ባቡራት ናይ ትኬት መሽጢ ባንኮ ውን ኣሎ። ትኬት ኣብ መስመር ኢንተርነት ወይ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ክትገዝእ ይከእል። ብዙሕ ግዜ ብህዝባዊ መጉዓዝያ ዝንቀሳቐሱ ሰባት: ዝተፈላለየ ናይ ነዊሕ ግዜ ትኬት /ኣቦነሜንት/ ክገዝኡ ይምረጽ። እዚ ናይ ዝተወሰነ መስመር ጉዕዞ: ናይ ዝተወሰነ ቦታ/ከባቢ/ ወይ ከኣ ኣብ ምሉእ ስዊስ ዝርከባ መጉዓዝያ ዘገልግል ሓፈሻዊ ትኬት/ኣቦነንት (Generalabonnement) ምግዛእ ይከኣል። ክሳብ 16 ዓመት ዕድሜኦ ምስ ወለዲ ወይ ምስ ኣቦ/እኖሓጎ ብዘይ ገለ ናይ መጉዓዝያ ክፍሊት ኣብ ስዊስ ክትጙዓዝ ይከኣል: ናይ ጅኒዮር ወይ ናይ ደቂ-ሓጎ (Junior- oder Kinder-Mitfahrkarte) ምስዝህልወካ: ብነጻ ትጎዓዝ። ቆልዑት ትሕቲ 6 ዓመት ዝዕድሜኦም ብነጻ ይጎዓዙ። ሓበታ ንትኬትን ኣቦነንትን ዝምልከት: ካብ ናይ ስዊስ መንገታዊ ናይ ሓዲድ ትካል (SBB) ወይ ካብ ናይ ኣውቶቡሳት ትካላት ክርከብ ይከእል።

Tarifverbund Nordwestschweiz TNW

እቲ Tarifverbund Nordwestschweiz TNW ቲከት ኵንትራት ንምእታው ከምኡውን መዓልታዊ ንምሕላፍ ፍሉይ ገምጋም ይህብ። እቲ ኸባቢ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ተመቕለ ። ኣብ ዞባ ኖርዝወስተርን ስዊዘርላንድ ብናይ ጽዕነት ኣውቶቡስ ከምኡውን ብባቡር ብተደጋጋሚ ትጐዓዝ እንተደኣ ዄንካ ካብቲ U-Abo ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ምሉእ ከባቢ መርበብ TNW ብቑዕ እዩ። ክንዮ እቲ ኸባቢ እንተ ኼድካ እተፈልየ ቲኬት የድልየካ።

ናይ ምሉእ መዓልቲ ትኬት ናይ ምምሕዳር ከባቢ

ኣብ ውሽጢ ስዊስ ሓደ ነዊሕ ናይ መዓልቲ ጉዕዞ ዝምድብ ሰብ: ካብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ምሉእ መዓልቲ ትኬት(Gemeindetageskarte) ብዝሓሰረ ዋጋ ክገዝእ ይኽእል። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ይሕብር።