ወለድን ስድራቤትን

ቆልዑት ዘለዎ ሰብ: ኣብ ምሉእ ስዊስ: ንቆልዑትን ንስልጠናን ዝኸውን ተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይወሃቦ። ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ ይወሃበን።

ናይ ኣደነት ዕስቢ ወይ ካሕሳ

ኣብ ሞያዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣዴታት: ኣብ ግዜ ሕርስን ምክንኽን ሕጻንን: ብውሕዱ 14 ሰሙን ዝኽፈል ዕረፍቲ (Mutterschaftsurlaub) ይወሃበን። ኣብዚ ግዜዚ ብውሕዱ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዘን ይኽፈለን። ስራሕ ዘይብለን ኣዴታት: ወይ ክሰርሓ ዘይክእላ እንተኮይነን: ኣብ ጨንፈር ማሕበራዊ ትካል ድሕነት (Sozialversicherungsanstalt SVA) መሰል ኣለወንን የብለን ንምፍላጥ ይሓታ። ኣብዚ ፍሉይ ሕግታት ኣሎ። ኣብተን መጀመርታ 8 ሰሙናት ናይ ድሕሪ ሕርሲ: ኣዴታት ክሰርሓ የብለንን: መሰል ናይ ኣዴታት ተጥበቕቲ (Mutterschutz)።

ካሕሳ ናይቲ ካልእ ወላዲ

እቲ ካልእ ወላዲ (ኣቦ ናይቲ ቆልዓ ወይ በዓልቲ ቤት ናይታ ኣደ) ድሕሪ ምውላድ ቆልዓ ንኽልተ ሰሙናት ዝተኸፍለ ካሕሳ ይረክብ። እቲ ካሕሳ ንደሞዝ እንተበዝሐ ን 14 መዓልታት ዝትክእ እዩ። እቲ ካልእ ወላዲ ነቲ ክልተ ሰሙን ብሓንሳብ ወይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት ክረክብ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ልደት ቆልዓ ክግበር ኣለዎ።

ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት

ቆልዑት ዘለዎም ሰባት: ንወለዲ ዝወሃብ ኣበል/ተወሶኺ ክፍሊት (Familienzulagen) ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ይግበረሎም። እዚ ንቆልዑት ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ከም ተወሳኪ ንመእሰያት ከእ ክሳብ 25 ዕድሜኦም ናይ መሰልጠኒ ተባሂሉ ይወሃብ።ስለዚ ኣብዚ መሰል ዘለዎም: ኩሎም ወለዲ ዝሰርሑ እንተኮይኖም:ነብሶም ዝኸኣሉ ወይ ስራሕ ዘይብሎም ወለዲ ቅሩብ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ስለዚ ሰራሕተኛታት ወለዲ ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ደሞዞም ዝኽፈል ይወሃቦም። ዝያዳ ሓበሬታ ንተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ዝምልከት ካብ ጨንፈር ማሕበራዊ ድሕነት ይርከብ። መጠን ተወሳኺ ክፍሊት/ኣበል ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ።