እንስሳ ዘቤት

እንስሳ ዘቤት ዝውንን ሰብ ዝተፈላለዩ ሕግታት ክኽተል ይግባእ። ስለዚ ኣብ ኩሉ መንበሪ ገዛ እንስሳ ዘቤት ክውንኑ ኣይከእልን። ከተማታት ወይ ዞባታት ንምሓዝ ኣኽላባት ክፍሊት ክጠልቡ ይኽእሉ።

ምውናን እንስሳ ዘቤት

ኣብ ገዛ ክራይ ዝነብር ሰብ: ንኣሽቱ እንስሳታት ከም ረጋቢት: ዓሳታት: ማንቲለ .. ክሕዝ ይኽእል።ኣብ ናይ ክራይ ውዕል ግን ሓድሓደ ግዜ እኽላባትን ደማሙን ምሓዝ ክኽልከል ይከእል። ኣክራዪ ንድምጺ ዝገብሩን ሓደገኛታትን እንስሳ ክኽልክል ይኽእል። ኣብ ርእሲዚ ወነንቲ እንስሳ ዘቤት ናይ እንስሳታት ተጣበቕቲ ሕግታት ክፍጽሙ ይግባእ። ስለዚ ገለ ፍሉያት እንስሳታት ንእብነት ከም ማንቲለ ንበይኖም ክትሓዙ ኣይግባእን። ከምኡ ውን ዝተሓተ ምምላእ ቅድመ-ኩነት ናይ ሰፈር እንስታት ኣቃውማን ግዝፊን ስፍሓትን ኣብ ግምት ይእትዉ። ብዙሓት እንስሳታት: ናይ ደገ እንስሳታት ኣብ ስዊስ ክእትዉ ኣይፍቀድን። ንካልኦት እንስሳታት ዝምልከት ፍሉይ ፍቓድ ካብ ሓኪም እንስሳ የድሊ።

ኣኽላባት

ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ሓደ ፍሉይ ናይ ኣኽላባት ሕጊ ኣሎ። ኣብዚ ሕጊ ብንጹር ናወነንቲ ኣኽላባት ዝምልከት ሕጊ ኣሎ። ዝያዳ ሓበሬታ ናይ ኣኽላባት ሓኪም ክህቡ ይኽእሉ።

  • ኩሎም ኣብ ስዊስ ዝርከቡ ኣኽላባት ብሓደ ሚክሮቺፕ ክምዝገቡ ኣለዎም። ሓደ ናይ ሓበሬታ ማዕከን ኣብ ኮሚተር ክምዝገቡ ኣለዎም። ኩሎም ኣኽላባት ናይ ከልቢ መንነት ከም ክረዲት ካርድ ዝመስል (Kreditkartenformat)ይግበረሎም። እዚ ምስ ናይ ገዛ ከልቢ መንነት ሓደ ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ንመገሲ ነቲ ከልቢ ናብ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ክትጥቀመሉ ኣይከእልን።
  • ኣኽላባት ኣብ ምምሕዳር ከ ክምዝገ ይግባእ። ምምሕዳራት ከተማ ነቶም ኣኽላባት ክፍሊት ከልዕሉ ይዀኑ። ንነፍሲ ወከፍ ከልቢ ምእንቲ ኽዕቅቦ ናይ ሓላፍነት መድሕን (Haftpflichtversicherung) እውን ክምዝገብ ኣለዎ።
  • ኩሎም ን ኣኽባት ሓርኢ ይ ይ ኣኽላቶም ኣልዒሎም ብ ጎሓፍ ከእትውዎ ይግባእ፣ ነ ምስዘይገብሩ ግን መቕጻዕቲ ክመጽኦም ይኽእል።
  • ንገለ ዓት ኣኽላት ፍይ መንፍ ቓድ የድልም፣ (ንኣብነት: ፒትቡል ይ ሮትዋይለር )