ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽርታት

ናይ ሃንደበት ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ 24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ሓጺር ቁጽሪ ተለፎን( 3 ቁጽሪ) ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ንካልእ ቁጽርታት ከም ሕጊ መሰረት ልሙድ ታሪፍ ክፍሊት ይኸፍል።

ሓፈሻዊ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 112

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)

ፖሊስ: 117

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ።

ምክልኻል ባርዕ ሓዊ: 118

በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ሰራሕተኛታት ማእከል የራኽብ።

ቀዳማይ ረድኤት / ናይ ረዲኤት ኣገልግሎት: 144

በዚ ቁጽሪዚ: ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት መእከል የራኽብ። ናይ መደወሊ ቁጽሪ 144 ህጹጽ ሓገዝን ናይ ሕክምና መኪና/ኣምቡላንስ ትጠልበሉ ኮይኑ: እቲ ኩነታት ኣስጋኢን ክትግምቶ ዘጸግምን ምስዝኸውን ኢዩ። ( ንኣብነት: ኣብ ዓቢ ሓደጋ):: ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ: ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ብቅዳምነት ምውካስ የድሊ። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ : መብዛሕትኦም ሓካይም ናይ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ ኣለዎም። እዚ ቁጽሪ ኣብ ባዕሉ ዝምልስ ተለፎን /ኣንሰርማሽን/ ወይ ኣብ ናይ ዞባ መጽሔት ሓባሪ ተለፎናት ይርከብ። ንህይወት ኣብ ዜስግእ ኵነታት ናብ ማእከል ህጹጽ ጻውዒት ሕክምና (MNZ) 061 261 15 15 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ መድሃኒትን ሕክምናዊ ምኽሪን ይረክብ: ብምቕጻል ከኣ ናብ ክኢላታት ይምራሕ( ሓኪም ወይ ሕክምና)። ባዕልኻ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ማእከል ክፍትሽ ወይ ክደሊ ይከኣል።

ፋርማሲ ህጹጽ ኩነታት፦ 061 263 75 75

በዚ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ Basel-Landschaft ከምኡውን Basel-Stadt: ኣየናይ ቤት መሸጣ መድሃኒት ኣብ ተረኛ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይፈልጥ። ካብዚ ሰብ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ መድሃኒት ክገዝእ ይኽእል።

ናይ ህጹጽ ሓኪም ምድዋል: 061 261 15 15

በዚኢ ቁጽሪዚ ሰብ ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft: ኣየናይ ሓኪም ስኒ ኣብ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን: ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ይፈልጥ።

ምምራዝ: ናይ ህጹጽ መድዋል: 145

ሓደ ሰብ ብመርዚ ምስዝምረዝ: ወይ ዝተበከለ ኮይኑ ምስዝስምዖ: በዚ ቁጽሪዚ ናይ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ነዚ ምምራዝ ወይ ምብካል ዝምልከት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩን ይሕግዙን። ንሂወት ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግን ቀልጢፍካ: 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕባ ምምራዝ/ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።

ምኽሪ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ: 143

"ቁጽሪ ተለፎን143" (ዝተቐረበ ኢድ , Dargebotene Hand) ንብዛዕባ ጸገሞም: እንታይነቱ ብዘየገድስ: ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ዝደልዩ ሰባት (ብጀርመን: ብፈረንሳይ: ብጥልያን) የገልግል። ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን: ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብዚ ቁጽሪ ደዊሉ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ኢ ኣብዚ ዝግበር ዝርርብ: ብምስጢር ብምትእምማንን: ብዝኾነ ዛዕባን ኢዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰብ ንዕኡ ዝሰማማዕ ምኽሪን ሓበሬታን ይወሃቦ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከኣል።

ምኽሪ ንቆልዑት / መንእሰያት: 147

ቁጽሪ ተለፎን 147 ንቆልዑትን መንእሰያትን: ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማቶም: ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክዛረብሉ( ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣዝዩ ሽግር ወይ ኣጸጋሚ ኩነታት በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ክኢላታት 24 ሰዓታት ክርከቡ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከእል።

ናይ ወለዲ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 0848 35 45 55

ናይ ወለዲ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ (Elternnotruf) : ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት: ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት ዝምልስሉ ኢዩ። ኣብዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖም ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ምስዝመስልዎም: ንክኢላታት ይውከሱ። ኣብዚ ቁጽሪ ሰብ ገለ ቆልዑት ግዳያት ናይ ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ወይ ኣካልዊ ጸቕጢ ኮይኖም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖ ክውከስ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ። ንመድሃኒት ዝምልከት ጉዳይ እዚ ቁጽሪ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።

ኣብ ገዛ ዝፍጸም ጎነጽ / ግጭት ( ደቀንስትዮ)፦ 061 681 66 33

ናይ ደቀንስትዮ መዕቆቢ ገዛ (Frauenhaus) ባይደር ባሰል: ንካብ ገዝአ ብሰንኪ ጎነጽ ወይ ግጭት ዝወጽኣ ደቀንስትዮ 24 ሰዓታት ምሉእ: ናይ ምኽሪን ሓገዝን ኣገልግሎት ይህብ። መቕርብን ክኢላታትን ኣብዚ ክውከሱ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ: ናይ ምትእምማንን ኣብ ዝደላኻዮን ይካየድ። ኣብዚ ክትውከስ ምስትደሊ: መልእኽቲ ብምጽሓፍ ክኸውን ይከኣል። ንኣብ ገዛ ዘጋጥም ግጭትን ጎነጽን ዝምልከት: ብዛዕባ ግዳያት ዝኾኑ ሰብኡትውን: መወከሲ ሓበሬታን: ቀጻሊ መስርሕን ኣብ ምዕራፍ

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ hallo-baselland.ch ምውካስ ይከኣል።