ምእላይ/ምምራሕ ቆልዑት

ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ድሕሪ ሕጻን ምውላዶም ብቕጥታ ናብ ስራሕ ይኸዱ። ምእንቲዚ ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ብዙሕ ቀረባት ንክንክን ቆልዑት ዝምልከት ኣሎ። መብዛሕትኡዚ ቀረባት ክፍሊት ዝሓትትዩ።

መውዓሊ ቆልዑት (KITA)

ኣብ መውዓሊ ቆልዑ (Kinderkrippen): ቆልዑት ምሉእ መዓልቲ:ብኣለይቲ ይእለዩን ይሕለዉን። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ቆልዑት ካብ ናይ 3. ወርሒ ዕድሜኦም ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝኣኽሉ: ኣብ ይእለዩ። ገለ መውዕሊ ሕጻናት: ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝበጽሑ ቆልዑትውን( ቅድሚን ድሕሪን ትምህርቲን: ኣብ ግዜ ምሳሕን) ይኣሊን ይሕዝን ኢዩ።ኣብ ናይ ምምዝጋብ ሊስታ ዝእትዉ ሕጻናት ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝኾኑ: ወለዲ ንውሉዶም: ኣቐዲሞም ከመዝግብዎም ይግባእ። ነዚ ዝምልከት ክፍሊት: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ: ገለ ክፋሉውን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ይሽፍኖ። እዘን መውዓሊ ቆልዑትን ናይ ምምሕዳር ከባቢ ቤት-ጽሕፈትን: ነዚ ዝምልከት: ሓበሬታን ምምዝጋብን ይሕብር።

መውዓሊ / መጻወቲ ቆልዑት

ብዙሓት ቆልዑት ቅድሚ ናብ ትምህርቲ ምእታዎም: ናብ ሓደ ናይ ጾወታ ጋንታ (Spielgruppe) ይኣትዉ። ኣብዚ ሕጻናት ልዕሊ 3 ዓመት ዕድሜኦም ብዘይ ወለዲ ነንሕድሕዶም ንክላለዩን ክጻወቱን ይራኸቡ። ናብዚ መውዓሊ ምኻድ ብነጻ ድልየት ዝግበር ኮይኑ: ብምርጫኻ ዝግበር ኢዩ።እዚ ነቶም ቛንቛ ጀርመን ዘይዛረቡ ቆልዑት: ኣቀዲሞም ንክለማመዱ እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ከኣ ናብ ትምህርቲ ንክኣትዉ መዳለዊ ይኾኖም።. ነዚ ዝምልከት ክፍሊት: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ: ገለ ክፋሉውን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ይሽፍኖ። እዘን መውዓሊ ቆልዑትን ናይ ምምሕዳር ከባቢ ቤት-ጽሕፈትን: ነዚ ዝምልከት: ሓበሬታን ምምዝጋብን ይሕብር።

መዓልታዊ ስሩዕ መደብ / ቅርጺ

ብከፊል: ገለ ቤት-ትምህርታት: ንቆልዑት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ይእልያን ይከናኸናን።ኣብ መዓልታዊ ቅርጺ (Tagesstruktur) ዘለውን ቤት-ትምህርታት: ቆልዑት ተመሃሮ ኣብ ግዜ ምሳሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምጽናሕ: ምስሖም ኣብኡ ክበልዑ ይከኣል።ድሕሪዚ ዕዮ-ገዛ እንተለዎም: ብሓገዝ ኣለይቲ: ክሰርሑ ይኽእሉ። ነዚ ዝምልከት ቀረባት ብወለዲ ይኽፈል። እዚ ክፍሊት: ኣብ ኩነታት ደሞዝ ወለዲ ይምርኮስ። ቆልዑት ኣብዚ: ሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ክኸዱ ይኽእሉ። እዚ ናይ መዓልታዊ ቅርጺ ዘለዎ ኣገልግሎት ምስ ናይ መዓልቲ ትምህርቲ (Tagesschulen) ሓደ ኣይኮነን: መዓልታዊ ትምህርቲ: 5 መዓልቲ ኣብ ሰሙን: ስሩዕ ፕሮግራም ትምህርቲ ክሳተፉ ኣለዎም።

ናይ መዓልቲ ስድራ: ቆልዓ ዝሕዙ ስድራ

ናይ መዓልቲ ስድራ: ቆልዓ ዝሕዙ ስድራ (Tagesfamilien) ዝበሃሉ: ንቆልዑት ኣብ ዝተወሰነ ናይ መዓልቲ ሰዓታት (መብዛሕትኡ ግዜ : ምሉእ መዓልቲ) ምስኦም ዝሕዝዎም ኢዮም።እዚ ቆልዑት ዝእለይሉ ኣገባብ: ንኣብ ሞያዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወለዲ ኢዩ። ንዚ ዝምልከት ዘከፋፍሉ ትካላት ኣብ ከባቢቲ ሞያዊያን ወለዲ ዝርከብዎ ቦታ ይርከቡ።እዘን ትካላት ምስ ኩነታት ቆልዑት ዝሰማምዑ ኣቕርቦት ይሕብሩን: ንመጠን ክፍሊት ዝምልከት: ሓበሬታን መለክዒታትን ይዝርግሑ።

ኣላይት ሕጻን / ኣብ ኣድላዪ ግዜ

ኣብ ስዊስ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት: ኣብ ኣጋ ምሸትን: ኣብ ቀዳመ-ሰንበትን: ከም ተሓዝቲ/ኣለይቲ ቆልዑት ኮይኖም ይሰርሑ። ናይ ስዊስ ቀይሕ መስቀል (SRK) ኣብ Baselland: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ:ሓደ ስልጠና ዝገበሩ: ተሓዝቲ/ኣለይቲ ቆልዑ:ስም ዝርዝር ይዝርግሕን ይሕብርን። ነዚ ኣገልግሎት ዝህቡ መንእሰያት ክፍሊት ምሃብ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ዘይተሓስበ ኣጋጣሚ: ወይ ሽግር: ናይ ስዊስ ቀይሕ መስቀል (SRK) Baselland ናይ ሓደጋ/ኣጋጣሚ ሽግር: ተባሂሉ: ቆልዑት ይኣሊ ኢዩ። ንእብነት: ሓደ ካብ ወለዲ ኣብ ሕክምና ምስዝእቱ: እሞ ነቲ ቆልዓ ዝኣሊ ዋላ ሓደ እንተዘየሎ: ኣብዚ ይእለ። ክፍሊት ናይዚ ዝምለከት ወለዲ ይኸፍልዎÖ ገለ ናይ ጥዕና ናይ ድሕነት ትካላት: ነዚ ወጻኢታት ዝሽፍና ኣለዋ።