ስራሕ ኣልቢነት

ሰራሕተኛታት ንስራሕ ኣልቦነት ዝኸውን ውሕስነት ይእትዉ። ስራሕ-ኣልቦ ዝኸውን ከኣ: ብሕጊ መሰረት ንዝተወሰነ ግዜ ገንዘብ ሓገዝ ይወስድ: ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ናይ ዞባ ስራሕ ኣከፋፋሊ ትካል (RAV) ክምዝገቡ ይግባእ: እዚ ከኣ ስራሕ ኣብ ምድላይ ይሕግዝ።

ድሕነት ስራሕ-ኣልቦነት

ድሕነት ስራሕ-ኣልቦነት (ALV)ሓደ ናይ መንግስቲ ትካል ኮይኑ: ንኩሎም ሰራሕተኛታት ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ወርሓዊ ክፍሊት ከኣካብ ወርሕዊ ደሞዝ ብቀጥታ ይኽፈል። ወሃብ ስራሕ ከእ ፍርቂ ይኸፍል።ነብሶም ክኢሎም ዝነብሩ ኣብዚ ድሕነት ኣይኣትዉን። ስራሕ ኣልቦ ዝኸውን ሰብ ካብዚ ድሕነት መተካእታ ደሞዝ (ናይ ስራሕ ኣልቦ ገንዘብ, Arbeitslosengeld) ካብዚ ትካል ይወስድ።መዓስን ክንደይን ገንዘብ ከትወስድ ኣብ ዝተፈላለዩ መምዘኒታት ይምርኮስ። ካብዚ ንእብነት: ክንደይ ዝእእክል ከምዝሰራሕካ: ወይ ብምንታይ ምኽንያት ስራሕ-ኣልቦ ከምዝኾንካ።

ኣካይዳ መስርሕ ስራሕ-ኣልቦነት

ቅድሚ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ስራሕ እንተ ወሓደ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ከባብያዊ ማእከል ስራሕ (RAV) ክትምዝገብ ኣሎካ። ኵሉ ተወሳኺ ስጕምትታት ኣብኡ ተገሊጹ ኣሎ።

ዞባዊ ማእከል ምክፍፋል ስራሕ

ዞባዊ ማእከል ምክፍፋል ስራሕ (RAV) ቀልጢፍካ ስራሕ ክትረክብ ይሕግዝ። ናይ ምኽራዊ ምዝርራብ RAV ሰብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ገንዘብ ክወስድ እንተደልዩ: ናይ ግድን እዮም። ብተወሳኺ RAV ናይ ስራሕ ፕርግራምን: ስልጠናን ይህብ። እዚ ውን ብከፊል ናይ ግድን እዩ።ኣብዚ RAV ሰባት ኣብ ስዊስ ገና ስራሕ ዘይጀመሩ እንተኮይኖምውን: ኣብ ምድላይ ስራሕ: ሓገዝ ይወሃቦም: ገንዘባዊ ሓገዝ ግን ኣይወሃቦምን።