መጻምድቲ

ኣብ ስዊስ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ብሓባር ከም መጻምድቲ ኮንካ ምንባር ቅቡል እዩ። ንክትምርዓው: ብውሕዱ 18 ዓመት ክመልእ ኣሎካ። እቶም መጻምድቲ ክልቲኦም: ሓደ ዓይነት መሰልን ግቡእን ኣለዎም።

ብሓባር / ብሓንሳብ ምንባር

ናይ ብሓንሳብ ከም መጻምድቲ ኮንካ ምንባር መልክዕ ኣብ ስዊስ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ተቐይሩ። ከም ዝውቱር ክልተ ዘይተመርዓዉ መጻምድቲ: (ብሓንሳብ ዝነብሩ መጻምድቲ: Konkubinat) ኮይኖም ምስ ናይ ሓባር ደቆም ብሓንስብ ክነሩ ልሙድ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ምክፍፋል ኣብ መንጎ ኣቦ ወይ ኣደ የለን። ዋላ ማዕረ ጾታ ዘለዎም መጻምድታት/ዕርክነታት ቅባለ ይረኽቡ ከምኡ ድማ ብሕጊ ማዕረ እዮም።

መርዓ

ኣብ ስዊዘርላንድ ንኽትምርዖ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣሎካ። ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰብ ሓዳር እውን ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም። ክትምርዖ እንተ ደሊኻ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲቭላዊ ምዝገባ ኽትምዝገብ ኣሎካ። ቤት ጽሕፈት መዝገብ ሲቭል Basel-Landschaft ኣብ ኣርለሺም እዩ ዚርከብ። ንሓዳር ናይ ምድላው መስርሕ የበግስ። መጻምድቲ ኣብ ሓዳሮም ዘለዎ ኽእለት ይምርመር እዩ። እቲ ምድላው ምስ ተዛዘመ እቲ መርዓ ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ክግበር ኣለዎ። ቤት ጽሕፈት ሲቭላዊ ምዝገባ ብዛዕባ ኣሰራርሓኡን ብዛዕባ እቲ ዜድሊ ሰነዳትን ዝርዝር ሓበሬታ ይህብ እዩ። ሓደ ኻብቶም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚነብር እንተ ዀይኑ ነቲ ሓዳር ንምድላው ኣመልኪትካ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓሶት መርዓ (Scheinehe) እንተ ተጠራጢሩ ቤት ጽሕፈት ሲቭላዊ ምዝገባ ነቲ መርዓ ኺነጽጎ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እቲ ድሮ እተዛዘመ ሓዳር ዘይግቡእ ወይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዚስረዝ ምዃኑ ኺእወጅ ይከኣል እዩ።

መሰልን ግቡእን

መጻምድቲ ሰብ ሓዳር ብሕጊ መሰረት ሓደ ዓይነት መሰልን ግቡእን ንክልቲኦም ብማዕረ ዝርኢ ቀያዲ ሕጊ ኣለዎም። ክልቲኦም መጻምድቲ ብነጻ ድልየት ክምርዓዉ ኣለዎም። ናይዚ ተምክሮ ዘለዎም ሰበ-ስልጣን: ዝኾነ ንመርዓ ተገዲዱ (Zwangsheirat) ዝገብር: ድሕሪ መርዓ ነቲ ውዕል ከፍርስዎ ወይ ዘይቅቡል ክገብርዎ ይኽእሉ። ንገለ ወገን: ነቲ ናይ ምግዳድ መርዓ ዝፈጸሙ ከኣ ክቐጽዕዎም ይኽእሉ። ተገዲዱ ንመርዓ ዝእተወ ኮይኑ ዝተሰምዕ ሰብ: ሓገዝ ክሓትት ይግብኦ። ካብቲ ማእከል ምኽሪ zwangsheirat.ch (0800 800 007) ብናጻ ቝጽሪ ተሌፎን ኣሎ።

ውጥን ስድራቤት

ንውጥን ስድራ-ቤት: ጥንሲን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ምኽርን ሓበሬታን: ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ፍሉይ ናይ ኣማኸርቲ ማእከል: ኣብ ሊስታልን ቢኒንገንን ምውካስ ይከኣል። እዘን ትካላት: ብእምነትን: ምስጢር ብምዕቓብን: ንክንክን ቆልዑትን :ጾታዊ ጸገማት: ዘይተደልየ ጥንሲ (ungewollte Schwangerschaften) : ወይ ናይ ብልዕቲን ኣካላት ጾታዊ ርክብ ሕማማት ዝምልከት ብኽፈኢል ብነጻ የማኽሩ። እዞም ትካላት ንጀመርቲ( ዕሰላት) ወለዲ ወይ ሕጻናት ዘለዎም ሰባት የማኽሩ።

ፍትሕ/ ምፍልላይ

ምፍታሕ ክልተ መጻምድቲ: ብክልቲኦም ወይ ብሓደ ወገን ክጥለብ ይከኣል። ነዚ ዝምልከት ሓላፍነት ዝወስድ: ቤት-ፍርድታት ከባቢ ሲቪል (Zivilkreisgerichte) እዮም። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተፈጸመ ሓዳር እውን ብመሰረት ሕጊ ስዊዘርላንድ ክፋታሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ሓደ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ማእከል ህይወት ክህልዎን እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ኣብዚ ክነብርን ኣለዎ። ፍትሕ ኣብ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዜጋ ምዃን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ፍትሕ ወጻእተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሑ ዝኽእሉ እንተ ኮይኖም ወይ እንተ ዘይኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ረቛሒታት ይምርኰስ። ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝዀኑ ፍሉይ ሕግታት ይወጽኣሎም እዩ። ብዛዕባ ፍትሕ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ምኽሪ ሓዳርን ስድራ ቤትን ወይ ምስ ማእከል ኣማኸርቲ ሕጊ ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ።