ቤት መሸጣ መድሃኒት
ቤት መድሃኒት: ብሓኪም ዝተኣዘዘ/ብጽሑፍ ዝተኣዝርዝር መድሃኒትን ካልእን ይሸይጥ። ንኣሽቱ ሕማማት ምስዘጋጥሙ: ሰባት ናብ ቤት መድሃኒት ክኸዱ ይምረጽ። ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ዝሰርሑ ሰባት እኹል ፍልጠት ዘለዎም ኮይኖም: ብዛዕባ ጥዕና ክመኽሩን ክሕግዙን ዝኽእሉ እዮም። ሓደ ተረኛ ቤት መሸጣ መድሃኒት ኩሉ ግዜ ክፉት ኣሎ። ሓደጋ ምስዘጋጥም ካብዚ ዘድሊ ሓገዝ ይርከብ። ብቁጽሪ ስልኪ 061 263 75 75 ደዊልካ ኣየናይ ቤት መሸጣ መድሃኒት ክፉት ከምዘሎ ክትፈልጥ ይከኣል።