ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕን በዓላትን

ኣብ ስዊስ መብዛሕትኡ ድዃናት ሰንበት ይዕጸዉ። ከይተዕጽዉ ዝውዕሉ ኣብ መደበር ባቡራት ዝርከቡ ድዃናት ኣዮም። ሕጋዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲታት ኣብ ካንቶን ዝሕገጉ እዮም።

በዓላት

ህዝባዊ በዓላት ብሕጊ ልክዕ ከም ሰንበት ይኽበሩ። ሓደ ነሃሰ (ሃገራዊ በዓል) ኣብ ምሉእ ስዊስ ብሕጊ ህዝባዊ በዓል ኢዩ። ብተወሳኺ ነብሲ ወከፍ ካንቶን ሾመንተ ካልኦት ህዝባዊ በዓላት ይውስኑ። ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ዝስዕቡ መዓልታት ከም በዓላት ብቖዓት ኣለዎም፥ ሓድሽ ዓመት (1 ጥሪ)፣ ዓርቢ ስቕለት (ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ)፣ ሰኑይ ፋሲካ፣ መዓልቲ ስራሕ (1 ጉንቦት)፣ ዕርገት (ሓሙስ 40 መዓልቲ ድሕሪ ሰንበተ ትንሳኤ)፣ ሰኑይ ጰንጠቆስት፣ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት (1 ነሃሰ)፣ በዓል ልደት (25 ታሕሳስ)፣ መዓልቲ ስተፋን (26 ታሕሳስ) እዮም።

ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕ ድዃናት

ሰዓታት ምኽፋት/ስራሕ ድዃናት: ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ይፈላለ። ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft ስሩዕ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓታት የሎን። መብዛሕትኡ ድኳናት ኣስቤዛ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኻብ ሰዓት 8 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 7 ድ.ቀ. ይኹን እምበር እቲ ግዜ ከከም እቲ ድኳን ኪፈላለ ይኽእል እዩ፣ ዝሓጸረ ወይ ዝነውሐ ድማ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ቀዳም መብዛሕትኦም ድዃናት ካብተን ካልኦት መዓልታት ኣቐዲመን ይዓጽዋ። ኣብ ሰንበት መብዛሕትኦም ድኳውንቲ ተዓጽዮም። ኣብ መደበር ባቡራት ወይ ኣብ መደበራት ጋዝ ዘለዋ ድዃናት ግን ኩሉ ግዜ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ክፉታት ኮይነን: ኣንጊሀን ይኸፍታ: ደንጊየን ከኣ ይዓጽዋ ካብቶም ካልኦት።

ሰዓታት ምኽፋት / ስራሕ ህዝባዊ ምምሕዳር

ናይ ካንቶን ምምሕዳር ከም ሕጊ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ: ካብ ሰዓት 8.00 ክሳብ ሰዓት 12.00 ን ካብ ሰዓት 14.00 ክሳብ ሰዓት 17.00 ን ይኽፈት። ገለ ትካልት ኣቐዲመን ሰዓት 13.30 ይኸፍታ: ወይ ብተሌፎን ንነዊሕ ግዜ ይርከባ። ሰዓታት ምኽፋት ናይ ምምሕዳር ከባቢታት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም። ብዝያዳ ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣዝዮም ዝተወሰኑ ኢዮም። ስለዚ ቅድሚ ናብ ቤት ጽሕፈር ምምሕዳር ከባቢ ምኻድ ኣብ ኢንተርነት ናይ ምኽፋት ሰዓታት ኣቐዲምካ ምፍላጥ ይምረጽ።