ናይ ዕረፍቲ ግዜ/ነጻ ግዜ

ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft: ነጻ ግዜኻ ተሕልፈሎም ብዙሓት ሰሕባቲ ተኽእሎታት መዘናግዒ ኣለዉ። ኣብዚ ማሕበራት ፍሉይ ግደ ኣለወን። እዚአን ምስ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ንክትላለ ይሕግሑ።

ማሕበራት

ብዙሓት ተቕመጥቲ/ነበርቲ ካንቶን Basel-Landschaft: ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራት (Verein) እዮም።ንዝተፈላለዩ ድልየታት ዝዓለሙ ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳር ከባቢታት ከይተረፈ: ናይ ስፖርት: ናይ ባህሊን ካልእን ማሕበራት ኣለዋ።እዚእተን ሓደ ጭቡጥ ኣመት ምስ ካልኦት ሰባት ንምርኻብ የሰጉማ።መብዛሕተአን ማሕበራት ንኩሎም ሰባት ክፉታት እየን።ነዘን ማሕበራት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ኣድራሻ ናይዘን ማሕበራት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ኣቕርቦት ንመንእሰያት

ኣብ ካንቶን Basel-Landschaft: ንመንእሰያት ብዙሓት ፍሉያት ምስ ክውንነቶም ዝኸዱ ቀረባት: ነጻ ግዜኦም ዘሕልፍሉን: ነባሪ ሌላ ዝምስርትሉን ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ምምሕዳር ከባቢታት መራኸቢ ማእከላትን ነጻ ግዜ ተሕልፈሎም ቀረባትን ኣለዉ። ኣብዚ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፈጠራዊነቶምን ንከርእዩ: ፕሮጀክትታት ንክገብሩ ይተባብዑ(Jugendarbeit)። እዞም ቀረባት ከም ሕጊብነጻ ይወሃቡ። Mኣሕበር መንእሰያት: ብሓባር ብማዕረ ንጥፈታት ንምክያድ: ኣብ ተፈጥሮ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንምክያድ ይሕግዝ። ነዞም ቀረባት ዝህቡን ሓላፍነት ዝስከሙን: ማሕበራት: ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢን ቤተክርስትያናት እዮም። እዞም ቀረባት ንኩሎም መንእሰያት ክፉታት እዮም። ምብርሂ ካብ ቤት ጽሕፈት እትነብርሉ ምምሕዳር ከባቢ ይርከብ።

ዙረትን ባህልን

ካንቶን Basel-Landschaft ብዙሓት ተኽእሎታት ዙረትን ሃብታም ባህላዊ መዘናጊዒታትን ቀሪብ ትርከብ። ኣብቲ ፍልይ ዝበለ ገጸ-ምድሪ ዩራ ብዙሕ ባህ ዘብል ናይ ምዝዋር ክእለትን ብሽክለታ ምዝዋርን ኣሎ። ንኣብነት ህቡብ ቦታታት ዙረት እታ ከተማ ሮማ ኣጉስታ ራውሪካ፣ ዞባ "ቫሰርፋለን" ወይ እቲ ኣብ ቀጽሪ Basel-Landschaft ራይንን ዚርከብ ሓያሎ ግምብታትን ኣብያተ-መዘናግዕን እዩ። Baselland ቱሪዝም ብዛዕባ ዙረትን ፍጻመታትን ሓበሬታ ይህብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ባህላዊ ፍጻመታት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከባ ጋዜጣታት እውን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ

ናይ ነጻ ድልየት ስራሓ (Freiwilligenarbeit) ሓደ ትካላዊ ዕዮ ንድሕነት ደቂ-ሰባትን ከባቢን ኮይኑ ደሞዝ ዘይክፈሎ ኢዩ። ብዙሓት ዕዮታት ኣብ ስዊስ ብልምዲ ከም ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ይውሰዱ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ስራሕ/ዕዮ ብማሕበራት ተወዲቡ ይትግበር። በዚ መሰረት ሰባት ኣብ ማሕበራት: ንባህሊ: ስፖርቲ: ማሕበራዊ ርክባት: ስልጠና: ምጥባቕ መሰል እንስሳታትን ምዕቃብ ከባቢን: ጥዕናን ኣብ ካልእ ዝተፈላለዩ ነቲ ሕብረተሰብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ኣብ ምፍጻም ይጽመዱ። ሓበሬት ንብነጻ ድልየት ዝስርሑ ነገራት: ምስታፍ ተኽእሎታትን: ትካላት ናይ ነጻ ድልየት ስራሕ ማእከላት ከም በኖተል/ Benevol፣ ቀይሕ መስቀክ ናይ ስዊስ Baselland (SRK) ወይ ከኣ Caritas beider Basel።

ስፖርቲ / ባህሊ / ስልጠና

ብናይ ባህላዊ ሌጊ Kulturlegi-Ausweis / መንነት ወረቐት: ብውሑድ ገንዘብ: ናይ ስፖርቲ:- ናይ ባህሊናይ ስልጠናን ንብረት/ክዳውንቲ ምግዛእ ይከኣል። እዛ ካርድዚኣ ካብ ካሪታስ ሓቲትካ ክትወሃብ ይከእል። ካሪታስ ብዛዕባዚ ሓብሬታ ይህብን መን ነዚ ኩልቱርሌጊ ናይ ምውሃብ መሰል/ግቡእ ከምዘለዎ የረጋግጽ። ብዘይካዚ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስዊዘርላንድ ንዚርከባ ስድራ ቤታት እቲ ፓስፖርት ስድራ (Familienpass) እተፈላለየ ዓይነት ብናጻ ዚቐርበለን ቀረባት ትህበን እያ። ንቘልዑ ኰተቴታት ከምኡውን መንእሰያት ከም እኒ "colourkey" ወይ ፓስፖርት ዕረፍቲ (Ferienpass) ይርከብ። ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባኡ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ይከኣል እዩ።